ደብረ ፀሓይ ቅዱስ እንድርያስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን

ኣብ ከተማ በርገን – ነርወይ

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ።
እዚ ሕጋዊ ዝኾነ ቤተክርስትያን ሕጋዊ ዝኾነ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ ዕለት 08/05/22 ብግእዝ ድማ ዕለት 30 ሚያዝያ 2014 እዩ። እዚ ቤተክርስትያን እዚ ዶግማኣን ቀኖናኣን ትውፊታን ሰንሰለታዊ ናይ ሃዋርያት ሓልያን ኣኽቢራን ተገዚኣን እትኸይድ ቅድስቲ ቤተክርስትያን እያ ከምኡ ውን ሰማእት እንበለ ደም ኣቡነ እንጠንዮስ ኣኽቢራን ተቐቢላን እትኸይድ እያ። ከምኡ እውን ነቲ ንሶም ዝሞትሉ ሕጊ እተኽብርን እትግዛእን እያ።
ናይ እዛ ቤተክርስትያን ፅዑቕ ኣገልግሎታ ድማ ኩሎም ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ነቲ ዶግማን ስርዓትን ቀኖናን ከምኡ ውን እቲ ሰንሰለታዊ ናይ ሓዋርያት እምነት ሓለዩ ከመይ ኢሉ ይነብርን ከምኡ ድማ ንዘይ ኣመንቲ ናብ እምነት ንምምፃእ ፅዑቕ ኣገልግሎት ይህብ ። ደብረ ፀሓይ ቅዱስ እንድርያስ በርገን እትህቦ ኣገልግሎት ኣብ በርገን ጥራይ ዝተሓፅረ ኣይኮነን ኣመንታ ንምግልጋል ኣብ ከባቢአ ንዝርከቡ ወገናት ርሕቀት ከይወሰና ኣብዚ ስደት ቦታ ኣገልግሎታ ተሰናዱ ኣላን ፀኒሓን እያ። ንኣመንታ ከከም ዕድመኦም ንኹሎም ኣመንተ መሰረተ እምነት ተስተምህር።

ኣብ ፌስቡክ ርኸቡና

ተወከሱና

  • +47 465 24 398

  • info@endrias.org

  • Ulsetmisjonssenter 80, 5119 Ulset

ኣድራሻና